በዓል ዒድ ኣልፈጥር ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 1 ሺሕን 446 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብተኸተልቲ እምነት እስልምና ብድምቀት ይኽበር ኣሎ፡፡
በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ መላ ኢትዮጵያ ብተኸተልቲ እቲ እምነት ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ፡፡
እቲ በዓል ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብድምቀት ምኽባር ዝጀመረ እንትኸውን÷ ህዝበ ሙስሊም ኣብ መኽበሪ ቦታታተ ብምርካብ ስነ ስርዓት ዒድ ሶላት እናካየደ ይርከብ፡፡
ኣብ መወዳእታ ዓብዪ ወርሒ ረመዳን ዝኽበር በዓል ዒድ ኣልፈጥር÷ ብሰላም፣ ብምትሕስሳብን ዝተፀገሙ ወገናትን ብምርዳእ ምሕላፍ ከምዝግባእ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ፌዴራል ፃውዒት ኣቅሪቡ፡፡