በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ብልግስናን እዝነትን ምሕላፍ ይግባእ – ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ብልግስናን እዝነትን ምሕላፍ ከምዝግባእ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገንዚቡ፡፡
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መበል 1 ሺህ 446 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ኣመልኪቱ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ፡፡
ኣብ መልእኽቱ ድማ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ እዋን ፆም ረመዳን ብምትሕግጋዝን ብምርድዳእን ከምዘሕለፎ ኣዘኻኺሩ፡፡
በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ብልግስናን እዝነትን ምሕላፍ ከምዝግባእ ዘገንዘበ እቲ ቤት ምኽሪ÷ እቲ በዓል ናይ ሰላም ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ፡፡