Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ እነኽብሮ ናይቲ ዓወት ከስቢ ብመዳይ ልምዓትን ሰላምን ንምድጋም ኢዩ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ዲስ አኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓል ዓወት ዓድዋ እነኽብሮ ናይቲ ዓወት ከስቢ ብመዳይ ልምዓትን ሰላምን ንምድጋም ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

“ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝቢታት’’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ብብርኪ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዝተኸበረ እንትኸውን÷ ዓድዋ ኢትዮጵያ ንፀለምቲ ህዝቢታት ካብ ዘበርከተቶም ዓወታት ወርቃዊ ታሪኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብቲ  ስነ ስርዓቱ ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ፤ “በዓል ዓወት ዓድዋ እነኽብሮ ጀጋኑ ኢትዮጵያ ካብ ምዝካር ሓሊፉ ኩርዓት ፀለምቲ ህዝቢታት ብምዃኑን ከስቢታት ዓወት ዓድዋ ኣብ ሃገርና ብመዳይ ሰላምን ልምዓትን ንምድጋም ኢዩ” ኢሎም።

ብሕብረትን ሓድነትን ከምኡ እውን ብዝተሓባበረ ቅልፅም ዝተረኸበ ዓወት ዓድዋ ብፍሉይ ድምቀት ምኽባርን ንትዉልዲ ምምሕልላፍን ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

እቲ ዓወት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓድነትን ምትሕብባርን ብዝለዓለ ደረጃ ዝፀንዐሉን ጥበብ ኣመራርሓ ጎሊሁ ዝተርኣየሉን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ናይ ሕዚ ወለዶ ብሓባር ጠጠው ምባል፣ ሕብረት፣ ጥንካረ፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ካብቲ ዓወት ክመሃር ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።

ንሉኣላዊነትን ክብሪን ሃገር ምውዳቅ ካብ ዓወት ዓድዋ ዝተረኸበ ከስቢ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ህዝብና ሎሚን ፅባሕን ብሓባር ሉኣላዊነት ንምርግጋፅን ካብ ተረዳኣይነት ንምውፃእ ኣብ ልምዓትን ሰላምን ምርብራብ ይግባእ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ብምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዜጋታት ብቖራፅነት ክስርሑ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ሰላምን ፀፅታን ዘረጋግፁ ተግባራት እውን ክብሪታት ዓድዋ ብምዃኑ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ምሕታቶም ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.