Fana: At a Speed of Life!

በዓል ፈረሰኛታት ኣገው ንኣታዊ ፌስቲቫል ቱሪዝም ተቛዳሲ ንምዃን ዘጠዓዕም ኢዩ – ቢልለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ፈረሰኛታት ኣገው ንኣታዊ ፌስቲቫል ቱሪዝም ተቛዳሲ ንምዃን ዘጠዓዕም ኢዩ ክብላ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ቢልለኔ ስዩም ኣገንዚበን።

እተን ሓላፊት መበል 85 በዓል ምስረታ ማሕበር ፈረሰኛታት ኣገው ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ቅድሚ ኣርባዕቲ ዓመት መበል 81 በዓል ምስረታ ፈረሰኛታት ኣገው ንምኽባር ዕድሉ ረኺበ፣ ተገሪመ ነይረ ኢለን።

ኣብቲ በዓል ዝተሰናድኡ ዝተፈላለዩን ዘይተለመዱን ምግብታት፣ ሙዚቃ፣ ኣልባሳት፣ ምስ ትርኢት ፈረስ ተደሚሩ ዝነኣድ ድባብ ከምዘለዎ ኣዘኻኺረን።

ደቂ ኣኒስቲዮ ፈረሰኛታት ናይዚ ኣካል ብምዃን ልዑል ናእዳ ተሰሚዑኒ ነይሩ ዝበላ እተን ሓላፊት፥ ከም ሃገር ዘለዉ ኩነታት እንትባዝሑ ብዙሓት ዕድላት ከምዘጠዓዕሙ ገሊፀን።

ብተወሳኺ ዘለዉና ክብሪታት እናማዕበልና ክብ ምባል አንኽእለሉ ዓቕሚ ይፈጥሩ ኢዮም ኢለ እኣምን ክብላ ሓቢረን።

ሎሚ እውን መበል 85 በዓል ምስረታ ማሕበር ፈረሰኛታት ኣገው እንትኽበር ሃወፅቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ከምዝ|ዕደሙ እምነተን ገሊፀን።

እቲ ከባቢ እውን ነቒሑ ሰላሙ ብምሕላው እቲ በዓል ካብ ሓመት ናብ ዓመት ምክያድ ምኽኣሉ ናይ ቀፃሊ ዕድሉ የጠናኽር ኢዩ ኢሎም።

በዓል ፈረሰኛታት ኣገው ንኣታዊ ፌስቲቫል ቱሪዝም ተቛዳሲ ንምዃን ዘጠዓዕም ኢዩ ክብላ ኣገንዚበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.