Fana: At a Speed of Life!

በዓል ፊቼ ጫምባላላ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መለወጢ ዘበን ብሄር ሲዳማ በዓል ፊቼ ጫምባላላ ብዓወት ምዝዛሙ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ሽመልስ ቶማስ ገሊፆም።

እቲ ብዓል ብፍላይ ኣብ ሃዋሳ ሶሬሳ ጉዱማሌ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ዝኽበር ብምዃኑ ቀዲሙ ምድላው ከምዝተገበረ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ በዓል ብድምቀት ተኸቢሩ ንክዛዘም ማሕበረሰብ እቲ ክልል ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምዃን ዝተዋደደ ፃዕሪ ምግባሮም ብምሕባር፥ ነዚ ድማ አመስጊኖም።

ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብቲ በዓል ንምስታፍ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ብሰላም ነናብዝመፅኡሉ ይምለሱ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.