ቢሮ ትራንስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ምሸት ሰዓት 4 ብዘይ ታሪፍ ወሰኽ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ንኽወሃብ ኣተሓሳሲቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝህቡ ኣካላት ብስሩዕ ታሪፍ መሰረት ብምግባር ኣገልግሎት ትራንስፖርት ንኽህቡ ቢሮ ትራንስፖርት እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝህቡ ኣካላት ክሳብ ምሸቱ ሰዓት 4 ኣገልግሎት ንኽህቡ ካቢኔ እቲ ምምሕዳር ምውሳኑ ይዝከር፡፡
ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣውቶቡሳት፣ ሚድ ባስን ሚኒ ባሳትን ብስሩዕ ኣብ ዝሰርሓሉ መስመርን ቀጥሪ ብዝኽፈል ሕጋዊ ታሪፍን መሰረት ብምግባር ክሳብ ምሸት ሰዓት 4 ኣገልግሎት ንኽህባ እቲ ቢሮ ኣተሓሳሲቡ፡፡
ኣገልግሎት ትራንስፖርት ተጠቀምቲ እውን ነዚ ብዝግባእ ብምርዳእ ክሳብ ምሰት ሰዓት 4 ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ፡፡