ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጅቡቲ ስሉጥ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ይህብ ከምዘሎ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባቡር ምድሪ ኢትዮ-ጅቡቲ ኣ.ማ ካብ ፅዕነት ብተወሳኺ ናይ ትራንዚት፣ ምትሕልላፍ ጉምሩክን ስራሕቲ ሎጂስቲክስን ብምውዳድ ስሉጥ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ይህብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝተጀመረ ሓዱሽ ኣገለግሎት ስራሕቲ ንግዲን ሎጂስቲክስን ከምዘሳልጥ ኣብቲ ትካል ዳይሬክተር ግሎባል ሎጅስቲክስ ወ/ሮ ምንተስኖት ዮሃንስ ንፋና ዲጂታል ተዛሪበን።
ለኣኽቲ ቅድመ ሐዚ ካብ ወፃኢ ትራንዚተራት ዝረኽብዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ጉምሩኽን ናይ ወደብ ዶክመንትን ኣብ ሓደ ማእኸል ንምርካብ ከምዘኽእሎም እውን ገሊፀን።
ብሓፈሻ ናይ ትራንስፖርትን ጉምሩኽን ኣገልግሎታት ኣብ ሓደ ማእኸል ብምሃብ ኣምፃእቲን ለኣኽቲን ዘጋጥሞም ምጉልእላእ ዘትርፍ ኢዩ ኢለን።
ክፍሊት ኣገልግሎት ካብ ወደብን ጉምሩኽን ክፍሊታት ወፃኢ ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ ኣረዲአን።
ብሃይለማርያም ተገኝ