Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያ ንመንግስቲ ዋላ ሓንቲ ብር ኣለቂሑ ኣይፈልጥን!

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያ ኣብዚ በጀት ዓመት ይኹን ቅድሚኡ ንመንግስቲ ዝኾነ ይኹን ብር ኣለቂሑ ኣይፈልጥን ክብል ገሊፁ፡፡

እቲ ባንኪ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ መንግስቲ ካብ ባንኪታት ንግዲ ውሽጢ ሃገር (ብወገን ብሄራዊ ባንኪ ንመሸጣ ካብ ዝቐርብ ዕድጊት ሰነድ ግምጃ ቤት ወፃእ) ብቐጥታ ናይ ምልቃሕ ኣሰራርሓ ይኹን ልምዲ የብሉን” ኢሉ።

እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እናሃለወ ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌ.ዲ.ሪ.ኢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሸሞንተ ኣዋርሕ ምቕራቡ ተተሓሒዙ ብጋዜጣ ሪፓርተር ዝተጋወሐ ዜና ካብ ኣርእስቱ ጀሚሩ ናብቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ካብ ዝቐረበ ፀብፃብ ይኹን ካብ ወድዓዊ ሓቁ ዝተፈለየን ዝተዛበዐን ሓበሬታ ኢዩ” ክብል ገሊፁ።

ኣብ ኣርእስቲ እቲ ጋዜጣ ዝተገለፀን “መንግስቲ ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያ ዝተለቀሖ ሓደ ትሪሊየን ዕዳ ከምዘለዎ ዝተገለፀን ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነን ኣብ ፀብፃብ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ፍፁም ከምዘይቀረበን እውን ሓቢሩ።

እቲ ባንኪ ነቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ብግልፂ ካብ ዘቕረቦ ሓቂ ብዝረሓቐን ብዝተዛበዐን መልክዑ ሪፖርተር ጋዜጣ ኣብ ኣርእስተ ዜናኡ “መንግስቲ ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተለቀሖ ሓደ ትሪሊየን ብር ዕዳ ከምዘለዎ ተገሊፁ” ብዝብል ከምኡ እውን ብካልኦት ሒደት ሚዲያታት ናይ መንግስቲ ዕዳ ብር 1 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ከምዝተሳገረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናይ መንግስቲ ዕዳ ዘርኢ ብዝመስል መልክዑ ተቐነባቢሩ ዝቐረበ ፀብፃብ ሓሶት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.