ባንኪ ዓለም ስራሕቲ ዘበናዊ ስርዓት ዝርገሐ ትራፊክ ንምሕጋዝ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ባንኪ ዓለም ምክትል ፕሬዚዳንት ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ምስ ዝኾና ቪክቶሪያ ኳኳ (ዶ/ር) ተዛቲየን፡፡
ምክትል ፕሬዚዳንት ቪክቶሪያ ኳኳ (ዶ/ር) ኣብ ዘተአን÷ ኣብ ስራሕቲ ሰብ ተኮር፣ መርሃ ግብሪ ምገባ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ለውጢታት ተመዝጊቦም ምባለን ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ ገሊፀን፡፡
ኣብ ኣተሓላልዋ ንፅህና ከተማን ኣተኣላልያ ፈሳሲን ከምኡ እውነ ምጭንናቕ ትራፊክ ንምንካይ ዝተጀመረ ስራሕቲ ዝርገሐ ዘበናዊ ስርዓት ትራፊክ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ምግላፀን ኣልዒለን፡፡
ነዚ ድማ ባንኪ ዓለም ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ ቪክቶሪያ ኳኳ (ዶ/ር) ምግላፅን ተሓቢሩ፡፡