ቤት ምኽሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ሰብሞያታት ምምዝጋብ ይኹን ሞያዊ ብቕዓት መረጋገፂ ምሃብ ኣይኽእልን ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ÷ ንጋዜጠኛታት ወይ ድማ ንሰብ ሞያታት ሚዲያ ናይ ምምዝጋብ ይኹን ሞያዊ ብቕዓት መረጋገፂ ናይ ምሃብ ተግባር ይኹን ሓለፍነት ከምዘይብሉ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣገንዚቡ፡፡
እቲ በዓል መዚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ÷ ቤት ምኽሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ሞያዊ ብቕዓት መረጋገፂ ንምሃብን ምዝገባ ጋዜጠኛታትን ምዝገባ ንምክያድ ዘተን ምንቅስቓሳትን ምጅማሩ ምፍላጡ ገሊፁ፡፡
እዚ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሚዲያ፣ ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያታትን እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ሕቶን ሕጋውነትን ስግኣቶምን እናቕረቡለይ ይርከቡ ክብል ሓቢሩ፡፡
ብምዃኑ ቤት ምኽሪ መራኸብቲ ሓፋሽ ንጋዜጠኛታትን ወይ ድማ ንሰብሞያታት ሚዲያ ምምዝጋብ ይኹን ሞያዊ ብቕዓት መረጋገፂ ናይ መሃብ ተግባርን ሓላፍነትን ከምዘይተውሃቦ ኣብ ኣዋጅ ቑፅሪ መራኸብቲ ሓፋሽ 1238/2013 እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ፡፡
በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ነዙይ ተግባር ኣፍልጦን ዘይህብ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኡ ኣፍሊጡ፡፡