ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣዳሪ ኣቢያተ ትምህርቲ ዓይነ ስውራን ንምህናፅ ስምምዕነት ሓገዝ ተፈራሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣርባዕተ ኣዳሪ ኣቢያተ ትምህርቲ ዓይነ ስውራን ንምህናፅ ዘኽእሎ ስምምዕነት ሓገዝ ተፈራሪሙ፡፡
እቲ ስምምዕነት ምስ ፋውንዴሽን ካሊፍ ቢን ዛይድ ኣል-ናሃያን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ዝተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ፋውንዴሽን ሙሃመድ ሃጂ ኣልከሆሪን እቲ ስምምዕነት ዝተፈራረሙዎ እንትኹኑ÷ ኣብቲ ስምምዕነት ካብ ሕቡራት ኤሜሬታት ዓረብ ዝመፅኡ ሚኒስትራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።
እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ደረጃኡ ዝሓለወን ሙሉእ መሰረተ ልምዓት ዝተማለአሎምን ኣርባዕተ ኣዳሪ ኣቢያተ ትምህርቲ ዓይነ ስውራን ንምህናፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቱ።