ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ስሩዕን ቐፃሊን ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ከውፅእ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ በቢ ክልተ ሰሙናት ስሩዕን ቐፃልነትን ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ከውፅእ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ባንክ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ÷ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ በቢ ክልተ ሰሙን ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ምኽያድ ከምዝጅምር ተገሊፁ።
እቲ ጨረታ ንቐፃሊ ብዙሓት ኣዋርሕ ከምዝካየድ ዝተገለፀ እንትኾን÷ዕላምኡ ድማ ማእኸላዊ ባንኪ ዝተረጋግዐ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ንምዕዋት እዩ ተባሂሉ፡፡
ኩለመዳያዊ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ምስፍሕፋሕ ንግዲ ወፃኢ፣ ሓዋላ ወፃኢ ምውሳኹን ፍሰት ካፒታል ብምዕባዩን ምኽንያት ክፍሊት ሚዛን ወፃኢ ኢትዮጵያ ብልዑል ብርኪ ርኡይ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ተገሊፁ።
ብምዃኑ ድልየት ዘለዎም ባንክታት ኣብ ዝተውሃበ መደብን ዝተቐመጠ ኣሰራርሓን መሰረት ሰነዳት ጨረታ ከእትው እቲ ባንኪ ፃ ውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ንጨረታ ዝቐረበ መጠን ሸርፊ ወፃኢ 50 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ እንትኾን÷እቲ ጨረታ ካብ ሰሉስ 23 መጋቢት 2017 ዓ.ም ከምዝኻየድ ተሓቢሩ፡፡