ብመሸጣ መፅሓፍ “የመደመርትውልድ” እናተሃነፀ ዝርከብ ቤተ መፃፍቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንምዝዛም ርብርብ ይግባር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ዝኾነ መሸጣ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ብዝርከብ ኣታዊ ኣብ ምምሕዳር ድሬዳዋ እናተሃነፀ ዝርከብ ቤተ መፃፍቲ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ንምዝዛም እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
እቲ ቤተ-መፃሕፍቲ ባህሊ ንባብ ንምጉልባት ኢሉ እውን ብስነ-ምግባርን ብፍልጠትን ዝተሃነፀ ወለዶ ንምፍራይ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሓድጊን ቱሪዝምን ምምሕዳር ድሬዳዋ ሚካኤል እንዳለ ገሊፆም፡፡
ብልዕሊ 470 ሚሊየን ብር እናተሃነፀ ዝርከብ እቲ ቤተ-መፃሕፍቲ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፈፃፅማ ህንፀቱ 80 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም፡፡
ህንፀቱ እንትዛዘም ብሓደ ግዘ ልዕሊ 1 ሺሕ ሰባት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ከምዘለዎ እውን ኣፍሊጦም፡፡
ብቲያ ኑሬ