Fana: At a Speed of Life!

ብሪክስ 9 ሃገራት ብኣባልነት ከምዝቕበል ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ መእተዊ 2025 ብሪክስ ትሽዓተ ሃገራት ብኣልነት ከምዝቕበል ተገሊፁ፡፡

ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ዝርከባ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት÷ ቤላሩስ፣ ቦልቪያ፣ ኢንዶኖዥያ፣ ካዛኪስታን፣ ኩባ፣ ማሌዥያ፣ ታይላንድ፣ ኡጋንዳን ኡዝቤከስታንን ከምዝኾና ተሓቢሩ፡፡

እተን ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ሕቶ ኣባልነተን ቅድም ክብል ኣብ ሩሲያ ካዛን ኣብ ዝተኻየደ መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ከምዝፀደቐ ተገሊፁ፡፡

ኣባል ብሪክስ ንምዃን ልዕሊ 30 ሃገራት ሕቶ ኣቕሪበን ከምዝነበራ ዝተገለፀ እንትኸውን እተን ትሽዓተ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ብመራሕቲ ብሪክስ ተገምጊመን ሕቶ ኣባልነተን ተቐባልነት ከምዝረኸበ ተመልኪቱ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን እውን ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ሃገራት ናብ ብሪክስ ክፅምበራ ኢየን ተባሂሉ፡፡

ብብራዚል፣ ሩሲያ፣ ህንድ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካን ዝተመስረተ ጉጅለ ኢኮኖሚ ብሪክስ÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣርባዕተ ሃገራት ብኣባልነት ከምዝተቐበለ ይዝከር።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ናብ 18 ክብ ከምዝበለ ኢራን ፕሬስን ኣር ቲን ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.