ብተሓዳሲ ሓይሊ ዝሰርሓ ተሸከርከርቲ ብምስፋሕ ወፃኢ ነዳዲ ምንካይ ከምዝግባእ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብተሓዳሲ ሓይሊ ዝሰርሓ ተሸከርከርቲ ብምስፋሕ ወፃኢ ነዳዲ ምንካይ ከምዝግባእ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም፡፡
ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክን ምስ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ብምትሕብባር ኤሌክትሪክን ተሓዳሲ ሓይሊን ተረባሕቲ ተሸከርከርቲ ብብርኪ ሃገር ረቂቅ ስትራቴጂ ከመዘሰናድኡ ተገሊፁ፡፡
ብኽለት ኣየር ንምንካይ ፅሬት ከተማታት ንምሕላዉን ነዳዲ ዝጥቀማ መኻይን ብምንካይ ሓምለዋይ ትራንስፖርት ምብርትታዕ ከምዝግባእ ዝሓበሩ ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)÷ ንነዳዲ ዝወፅእ ሸርፊ ወፃኢ ምንካይ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡
ንነዳዲ ዝወፅእ ሸርፊ ወፃኢ ብምንካይ ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ምዉዓል ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡
ብተሓዳሲ ሓይሊ ዝሰርሓ ተሸከርከርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ንምእታዉ ማዕቐፋት ሕጊን ኣሰራርሓታትን ብምድላዉ ከምኡውን ኣብ ከተማታት ቻርጅ መግበሪ ጣብያታት ምስፋሕ ቀፀልቲ ስራሕቲ ምኳኖም ኣብሪሆም፡፡
ብዘመን በየነ