ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተንቀሳቐሱ ነይሮም ዝተብሃሉ 65 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከባቢ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንና ዜግነትን ብምዃን ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተንቀሳቐሱ ነይሮም ዝበሎም 65 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣፍሊጡ፡፡
ካብቶም ተጠርጠርቲ ብተወሳኺ ብሓፈሻ ሸውዓተ ኣብ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ተዋፊሮም ዝተብሃሉ ገዛውቲ ከምዝተዓሸጉ እውን እቲ ኣገልግሎት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ገሊፁ፡፡
እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ድለላ ዝተዋፈሩ፣ ከባቢ ስራሕ ብምህዋኽ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ፀገም እናፈጠሩ ዝነበሩ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ተግባር ምጭብርባርን ምትላልን ተዋፊሮም ዝነበሩን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናይ ኦን ላይን ህፁፅ ፓስፖርት ዝመልኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ፤ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ዜግነትን፣ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ልደታ ወረዳ 7 ብምውዳድ ብዝገበሩዎ ፍሉይ ኦፕሬሽን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡