Fana: At a Speed of Life!

ብዙሓት ፍልስጤማውያን ናብ መረበቶም ምምላስ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እስራኤልን ሃማስን ብመሰረት ዝገበርዎ ስምምዕነት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ፍልስጤማውያን ናብ መረበቶም ምምላስ ጀሚሮም።

እስራኤልን ሃማስን  ዝበፅሕዎ ተዓገትትቲ ናይ ምልውዋጥ ስምምዕነት ስዒቡ ኢዩ እቶም ፍሊስጤማዊያን ተመዛበልቲ እስራኤል ተቖፃፂራቶ ብዝነበረት ኔትዛሪም ኮሪደር ኣቢሎም ናብ ሰሜን ጋዛ ዝኸዱ ዘለዉ።

እቶም ፍሊስጤማዊያን ብእግሪን ብተሽከርካሪን ናብ ሰሜን ጋዛ ንክኣትዉ ምፍቃዳ ዝገለፀት እስራኤል፥ ክሳብ ሐዚ ፍርቂ ሚሊየን ዝኾኑ ዜጋታት ናብ ከተመኦም ይኣትዉ ከምዘለዉ ምግላፃ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብኣቤል ንዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.