Fana: At a Speed of Life!

ብዝተዋደደ ሓበሬታ ዓለም ለኻዊ ኻፃሕነት ምስፋሕ የድሊ – ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዝተወደበ ሓበሬታ ዓለም ለኻዊ ኻፃሕነት ምስፋሕ ይግባእ ክብሉ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ገሊፆም፡፡

ኣይተ ኣድማሱ ብኣሰናዳእነት ዓለም ለኸ ዲፓርትመንት ኣብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ዝተኻደን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተውፃእፅኡ መራሕቲ ሚዲያ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ዘተ ተሳቲፎም፡፡

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብቲ እዋን÷ “ቅልጡፍን ዕላማ ተኮር ሓበሬታ ኣብ ዝሕንፀፀሉን ፅዕንቶ ኣብ ዘሕድረሉን ዘበን ሚዲያታት ልዑል ሓላፍነት ኣለዎም” ኢሎም።

በዚ ድማ ሚዲያ ትኽክለኛ ሓበሬታ ተበፃሒ ብምግባር ኣብ ህንፅት ማሕበረሰብ ከም ሓደ ድልድል ኮይኑ ብምግልጋል፣ ትኽክለኛ ፀብፃብ ብምቕራብ፣ ባህሊ ኣብ ምፍላጥን ዓለም ለኻዊኻዝባት ብምግባር ኣብ ምድንፋዕ ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

መራኸብቲ ሓፋሽ÷ ኣመለኻኽታታት ንምሕንፃፅ፣ ለውጢ ንምልዕዓልን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዓሚቕ ግንዛበ ንምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ሴሚናር ዝግበሩ ናይ ሓበሬታ ልዝባት ፅቡቕ ተሞክሮ ሃገራት ዝድህሰሱሉ እንትኸውን ኣብ ፍሰት ትኽክለኛ ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ብብቕዓት ብምምካትን ህንፀት ዘበናዊ ሚዲያ ዘለዎ ዝተሓላለኹ ፀገማትን ንምፍታሕ መሰል መድረኻት ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎም ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.