ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝህነፅ ዘሎ ቤተ ትምህርቲ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ክዛዘም ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝህነፅ ዘሎ ካልኣይ ብርኪ ቤተ ትምህርቲ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብምዝዛም ኣገልግሎት ከምዝህብ ተገሊፁ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ከተማ ገብረመድህን ወልደ ጊዮርጊስ፥ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝህነፅ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብመሰረት ዝሃቦ ደገፍ 20 ሚሊየን ብር ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ህንፀት ብፅርየትን ሰሌጠንን ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም።
ኣብ ቀፃሊ ዓመት ህንፀቱ ዛዚሙ ኣገለግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ድማ ኣብሪሆም።
እቲ ቤት ትምህርቲ ናብ ኣገልግሎት እንትኣቱ፥ 1 ሺሕን 600 ተምሃሮ ብምቕባል ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ክህልዎ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።