Fana: At a Speed of Life!

ብፍልጠት ብቑሓት ዝኾኑ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ንምፍራይ ዝበረታታዕ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ – ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩለመዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ብፍልጠትን ክእለትን ብቑዓት ኣመራርሓታትን ሰብ ሙያን ንምፍራይ ዝበረታታዕ ስራሕቲ እናተወገኑ ኣለዉ ክብሉ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ብርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና “ድሕረ ሓቂ ዘበን ብሓቂን ፍልጠትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሰናደአ ስልጠና ንኣመራርሓ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ተጀሚሩ።

ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብ መጀመሪ እቲ ስልጠና ከምዝበሉዎ፤ ጉዕዞ ለውጢ ሃገርና ንምጥንኻከን ኩነታት ናብራ ህዝብና ንምምሕያሽን ግዚኡ ዝጠልቦ ፍልጠትን ክእለትን ብመሓዝ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ምምካትን ሓቀኛ ሓበሬታ ተበፃሒ ምግባርን ይግባእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.