Fana: At a Speed of Life!

ብ1 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ፋብሪካ መፍረዪ ባትሪ መኪና ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ብርሃን ብ1 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ፋብሪካ መፍረዪ ባትሪ መኪና ተመሪቑ፡፡

ሲፋን ኒው ኤነርጂ ማኑፋክቸሪንግ ብዝተብሃለ ትካል ዝተሃነፀ ፋብሪካ እንትኸውን÷ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም፡፡

ን110 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ እቲ ፋብሪካመፍረዪ ባትሪ መኪና፤ ስራሕ ምጅማሩ ቅድሚ ሕዚ ካብ ወፃኢ እናኣተወ ዝነበረ ፍርያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምትካእ ዕዙዝ እጃም ከምዝህልዎ ተገሊፁ፡፡

ብኣላዩ ገረመው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.