ቬይትናም ምስ ኣፍሪካ ንዝህልዋ ርክብ ኢትዮጵያ ከም በሪ ክትጥቀም ኢያ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ እስያ ንእትገብሮ ኩለመዳይ ርክብ ንቬይትናም፤ ቬይትናም ኣብ ኣፍሪካ ንዝህልዋ ርክብ ድማ ንኢትዮጵያ ከም ስልታዊ መሓዛ ክጥቀማ ኢየን ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቬይትናም ዝገበሩዎ ዕላዊ ዑደት ኣመልኪቶም እቶም ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ መብርሂ ሂቦም፡፡
ኣብ መብርሂኦም ድማ፤ ቬይትናም ካብ 1984 ጀምሮ ሪፎርም ኢኮኖሚ ከምዘካየደትን ነዚ ስዒቡ ኣብ 1990ታት 70 ሚኢታዊ ዝነበረ ድኽነት ዜጋታታ ሙሉእ ብሙሉእ ምፍታሕ፤ ሎሚ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ኩነታት ሩዝ፣ ቡንን ካልኦት ፍርያታት ሕርሻን ናብ ዕዳጋ ወፃኢ እናቕረበት ትርከብ፡፡
ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ምስ ትካል ንግዲ ዓለምን ካልኦት ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ ብዝገበረቶ ስምምዕነት ልዑል ቀጥታ ኢንቨስትመንት ምእካባ ብምግላፅ፤ ኤክስፖርት ዝመርሖ ኢኮኖሚ ከምዝሃፀት እውን ፀሪሖም፡፡
ብመንፅር እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ዝገበሩዎም ልዝባት፤ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ካብ ስርናይ ብምቕፃል ንሩዝ ልዑል ግምት ከምዝሃበት ተላዒሉ ኢሎም፡፡
ቬይትናም ኣብ ፍርያት ሩዝ ኣብ ኣዚዩ ዝለዓለ ደረጃ ዝበፅሐት ስለዝኾነት፤ ሩዝ ንምስፍሕፋሕን ኣብ ዝራእቲ ሩዝ ብምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ልምዲ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣትክልቲን ፍረምረን ከምኡ እው ፍርያታት ቡን ልምዲ ዝርከበላ ሃገር ከምዝኾነት ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ህንፀት ከተማ፣ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር፣ ምንካይ ድኽነትን ዓውዲ ቱሪዝምን እተን ሃገራት ልምዲ ንምልውዋጥን ዘኽእለን ኩነታት ከምዝተፈጠረ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ስዒቡ ድማ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንቬይትናም ምስ ኣፍሪካ ንምርኻብ ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡
“ብሓፈሻ ኣብ ዝተገበረ ዘተ፤ ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ትምህርቲን ብሓባር ንምስራሕን ኢትዮጵያ ናብ ኣፍሪካ መእተዊት በሪ ገይርካ ንምጥቃም ልዑል ድሌት ከምዘሎ ተራኢዩ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ እውን ኣብ እስያ ኣብ ትገብሮም ርክባት ንቬይትናም ከም ስልታዊ መሓዛ ከምትወስድ ኣብ መብርሂኦም ገሊፆም፡፡
ብዮሃንስ ደርበው