Fana: At a Speed of Life!

ቭላድሚር ፑቲን መዓልቲ ዓወት ሩሲያ ኣመልኪቶም ግዝያዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኣዊጆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን መዓልቲ ዓወት ሩሲያ ኣመልኪቶም ግዝያዊ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኣዊጆም፡፡

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ መዓልቲ ዓወት ሩሲያ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ምእዋጆም ተሓቢሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ምስ ዩክሬን እናተኻየደ ዝርከብ ኹናት ኣመልኪቶም ካብ 30 ሚያዝያ ክሳብ 3 ግንቦት 2017 ዓ.ም ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ኣንቢሮም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት መንግስቲ ዩክሬን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ፃውዒት ምቕራቦም ሲኤንኤን ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.