Fana: At a Speed of Life!

ተሳትፎ ማሕበረሰብ ብምዕባይ ሕማም ምክልኻል ይግባእ – ዶ/ር መቕደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቕደስ ዳባን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ብሓባር ብምኳን ምስ ተወከልቲ ጉጅለ ጥዕና ጌትስ ፋውንዴሽን ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ መድረክ ዘተ ሚኒስቴር ጥዕና ቀንዲ ጠመተ ኣብ ዝተውሃቦም ጉዳያት መብራህርሂ ዝሃባ ዶክተር መቕደስ÷”ብዝምልከቶም ኣካላት ዝካየዱ ፕሮግራማት ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን ብሄራዊ ስትራቴጂን ክረዳድኡ ይግባእ” ኢለን፡፡

ሚኒስቴር ጥዕና ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ንምዕባይ ቅድሚት ሂቡ ዝሰርሖም ጉዳያት ከምዝኾኑ እውን ገሊፀን፡፡

በዙይ እውን ተሳትፎ ማሕበረሰብ ብምዕባይ ሕማማማት ምክልኻል ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ኣብቲ መድረክ ዘተ ፋይናንስ ጥዕና፣ ትልሚ ቤተሰብ፣ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ፣ ዓለም ለኸ መድሕን ንዘላቒ ልምዓት ብዝብል ሰፊሕ ዘተ ከምዝተኻየደ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.