ተፋሰሳት ንምሕላው ሓበራዊ ትልሚ ከምዘድሊ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፋሰሶች ንክሌማዊ ለውጢ ተቓላዕቲ ብምዃኖም ንምሕላውን ንምክንኻንን ዝተዋደደ ሓበራዊ ትልሚ ከምዘድሊ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣገንዚቡ፡፡
ኣብ ሓሙሽተ ተፋሰሳት ዝትግበር “ብራይት” ዝተብሃለ ፕሮጀክት ምሕደራ ዝተዋደደ ተፋሰስ መርሃ ግብሪ ምጅማር ተኻይዱ።
ሚኒስትር ዴኤታ ማይን ኢነርጂን ኣብርሃ ኣዱኛ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ዝተዋደደ ፕሮጀክት ምሕደራ ተፋሰስ ኣብ ተፋሰሳት ኣባይ፣ ኣዋሽ፣ ኦሞ ጊቤ፣ ቃላያት ሓጓ ሽንጥሮን ተከዘን ክትግበር ኢዩ፡፡
እቲ ፕሮጀክት ምሕደራ ተፋሰስ 11 ክልላት፣ 71 ዞባታትን 724 ወረዳታትን ዝሓቖፈ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡
ብተካልኝ ሃይሉ