ቴክኖሎጂ መፍትሒ ፀገም ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም – ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቴክኖሎጂ ንህዝብና መፍትሒ ፀገምን መቀላጠፊ ዕቤትናን ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ መሰረት ዘንብሩ ናፃ፣ ዘይሻራዊን ብቕዓት ዘለዎምን ትካላት ናይ ምህናፅ ከይዲ ብዙሓት ውፅኢታት ከምዘመዝገቡ እቶም ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም።
“ኣብ ከይዲ ህንፀት ትካላት ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ነባር ትካላት ኣሰራርሐኦምን ኣገልግሎቶምን ምዝማን ከምኡ እውን ሓደሽቲ ትካላት ምህናፅን ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ናይ ምጥንኻርን ስራሕ ብትኹረት ብምስራሕ ውፅኢታት ተመዝጊቦም” ኢሎም።
ካብ ጉባኤ ክሳብ ጉባኤ ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ሞንጎ ዝተጣየሹ ሓደሽቲ ትካላት ሓደ ዝኾነ ኢንስቲትዩት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ÷ ንህዝቢን ሃገርን ዝጠቕሙ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣመልኪቶም።
ዓበይቲ ሃገራት እናተወዳደራሉ ዝርከባ ናይ ቀፃሊ ግዘ ነዳዲ እናተብሃለ ዝንገረሉ መኽዚን (ቋት) ዳታ ኣብ ምህናፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 30 ትካላት ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ብምግላፅ÷ “እቲ መኽዚን ዳታ ንዝቕፅል ወለዶ እነውርሶ፤ ሐዚ ንዘሎ ወለዶ ተጠቒሙ ፀገም ዝፈትሐሉ ኢዩ” ክብሉ ምግላፆም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና የመላኽት።