ትራምፕ ንመትረብ ፓናማ መሊስና ክንቆፃፀር ንኽእል ኢና ክብሉ ተሓኒዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ሓዱሽ ዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ መተሓላለፊ መስመር መራኽብ ንግዲ ዝኾነ መትረብ ፓናማ መሊስና ክንቆፃፀር ንኽእል ኢና ክብሉ ተሓኒዮም።
ትራምፕ እዚ ዝበሉ “መንግስቲ ፓናማ በቲ መትረብ ኣብ ልዕሊ ዝሓልፋ መራኽብ ልዑል ክፍሊት እናኽፈለና ኢዩ” ብዝብል ከምዝኾነ ተገሊፁ።
“ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕርናን ንግዲናን ልዑል ዘይፍትሓዊነት ተፈፂሙዎ ኢዩ፤ መንግስቲ ፓናማ ዘኽፍለና ክፍሊት ብዙሕ ኢዩ” ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
እዚ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ እናተገበረ ዝርከብ ግልፂ ዘረፋ ብህፁፅ ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝበሉ ትራምፕ÷ ጥንኩራት ቃላት ብምጥቃም እውን ኣጠንቂቖም።
ኣሜሪካ መትረብ ፓናማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1914 ብምህናፅ ንብዙሓት ዓሰርታት ዓመታት እናመሓደረቶ ዝፀንሐት እንትትከውን÷ ኣብ 1999 ድማ ንመንግስቲ ፓናማ ከምዘረከበቶ ይፍለጥ፡፡
ዶናልድ ትራፕም ካብዚ ብተወሳኺ ቻይና ኣብቲ ባቢን ኣብ መትረብ ፓናማን ፅዕንቶኣ እናዓበየ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ “እቲ መትረብ ፓናማ ጥራሕ ኢያ ክተመሓድሮ ዘለዋ፤ ቻይና ወይ ድማ ካሊእ ኣይኮነን” ኢሎም።
ትራምፕ “መምርሒታት ሕጊን ስነ ምግባርን እንተዘይተኸቢሮም መትረብ ፓናማ ሙሉእ ብሙሉእን ብዘይሕቶን ንኽምለሰልና ክንሓትት ኢና” ምባሎም ኣልጃዚራ ፀብፂቡ።
ፕሬዚዳንት ፓናማ ሁሴ ራውል ሙሊኖ ብግደኦም÷ ንመፈራርሒ ትራምፕ ተቐባልነት ዘይብሉ ክብሉ ኣነኣኢሶምዎ።