Fana: At a Speed of Life!

ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ (ኢባትሎ) ኣብ ጅቡቲ ምስ ዝርከቡ መርከበኛታት በዓል ትንሳኤ ኣኽቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ (ኢባትሎ) ኣብ ወደብ ጅቡቲ ምስ ዝርከቡ መርከበኛታት በዓል ትንሳኤ ኣኽቢሩ።

“እቶም ኢትዮጵያውያን ባሕረኛታት ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ኣብ ኣፀጋሚ ፀባይ ኣየር፣ ኣብ ዝረግአን ዝናወፅን ወሽመጥ ባሕሪ ንኣዋርሕ ቀትሪን ለይቲን ዝተግሁ ኢዮም” ክብል እቲ ትካል ገሊፁ።

እቶም ሰብ ሞያ መራኽብ ሃገሮም፤ ካፒቴናት እተን መራኽብ መራሕቶም፤ ሰንደቕ ዕላማኦም ድማ መለለዪኦም ብምግባር በዓል ኣብ ዝተፈላለያ ዓለማት ኣብ ዝርከቡ ውቅያኖሳትን ባሕረኛታትን ከምዘሕልፉ ፀሪሑ።

እቶም መርከበኛታት በዓል ትንሳኤ በዚ መልክዑ ምኽባሮም ናይ ቤተሰብ ስምዒት ክስመዖም ዝገበረ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ኢባትሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.