Fana: At a Speed of Life!

ትካላት ክታበት ተበፃሒ ንምግባር ድጋፎም ከምዘጠናኽሩ ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ተበፃሒነት ክታበትን ስርዓተ ምግቢ ህፃናት ንምምሕያሽን ዝግበሩ ሓገዛት ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ገሊፆም፡፡

ሚኒስትርዲኤታ  ጥዕና ዶ/ር ደረጀ ዱጉማ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ዩኒሴፍ፣ ትካል ክታበት ቲቪን ትካል ገባሪ ሰናይ ሲ ኣይ ኤፍ ኤፍን ዘተ ኣካይዶም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ፀገም ተበፃሕነት ክታበትን ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ህፃናትን ንምፍታሕ ተወዲቦም እናሰርሕዎም ዝርከቡ ስራሕቲ ዘትዩም፡፡

ኣብ መርሃ ግብሪ ስሩዕ ክታበት ዘይረከቡን ጀሚሮም ዘቋረፁ ህፃናትን መከሓሓሲ ክታበት ተበፃሒ ንምግባር ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ዓዉዲ ዉፅኢታዊ ዝገብሩ ናዉቲታት ፋይናንስ ድጋፎም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምርግጋፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.