Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብ ዓውዲ ሜካናይዜሽን ሕርሻ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ምስ ብምክትል ፕሬዚዳንት ኮርፖሬሽን ኢንዱስትሪ ብሔራዊ ማሽነሪ ቻይና ሊ ሻይዩ ዝተመርሐ ልኡኽ ቢዝነስ ዘትዮም፡፡

ኣብቲ እዋን÷ እተን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ሜካናይዜሽን ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእላሎም ጉዳያት ዘትዮም፡፡

ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ኩታገጠም ሕርሻ ንምስፋሕ ተግባራዊ እናገበረ ምዃኑ ብምሕባር÷ ነዙይ ድማ ገፊሕ ድልየት ሕርሻ ማሽነሪዎች ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ሊ ሻይዩ ብወገኖም ዘበናዊ መፍረይ ማሽናት ሕርሻ፣ ኣብ ሕርሻ ልምዓትን ምርምር ሕርሻን ዘሎ ገፊሕ ልምዲ ነቶም ሚኒስትር ኣረዲኦም ይብል ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ፡፡

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.