Fana: At a Speed of Life!

ናሽናል ሲሚንቶ ለሚ ልዕሊ 310 ሺሕ ቶን ሲሚንቶ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተመሪቑ ስራሕ ዝጀመረ ፋብሪካ ናሽናል ሲሚንቶ ለሚ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 310 ሺሕ ቶን ሲሚንቶ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ፡፡

እቲ ፋብሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ፍርያት እንትኣቱ ኣብ መዓልቲ 15 ሺሕ ቶን (150 ሺሕ ኩንታል) ሲሚንቶ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ እውን ንፋና ዲጂታል ኣፍሊጡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋንት ብኽፋል ናብ ስራሕ ዝኣተወ እቲ ፋብሪካ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 10 ሺሕ ቶን ሲሚንቶ ናብ ዕዳጋ እናቕረበ ከምዝኾነን ስራሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 310 ሺሕ ቶን ሲሚንቶ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ከምዝኸኣለን ገሊፁ፡፡

እቲ ፋብሪካ ን1 ሺሕን 138 ወገናት ቀዋሚን ግዚያዊን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ እውን ተገሊፁ፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.