ናይ ሐዚ ትውልዲ ብኽእለትና ጥራሕ ንኢትዮጵያ ምህናፅ ንኽእል ኢና-ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል
ኣዲስ ኣበባ፣ 01 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ሐዚ ትውልዲ መስዋእትነት ህይወት ምኽፋል እንተይኣድለየ ብኽእለትና ጥራሕ ንኢትዮጵያ ምህናፅ ንኽእል ኢና ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፋሪያት ካሚል ገሊፀን።
እተን ሚኒስትር ብትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝተሰናድአ “ክእለት ንኢትዮጵያ” ዓውደ ርእይ ሰእልን ፓነል ዘተን ከፊተን።
ብዛዕባ ከእለትን ኢትዮጵያ ንውልቀ እትዋፅኦ ዘይኮነስ ብሓባር መስራሕ ዘድሊዮ ተግባር ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ናይ ሐዚ ትውልዲ መስዋእትነት ህይወት ምኽፋል እንተይኣድለዮ በክእለትና ጥራሕ ንኢትዮጵያ ምህናፅ ንኽእል ኢና ክብላ ገሊፀን።
ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምዝርራብ ዝተፈለየ ስምዒት ከምዝህብ ብምግላፅ፥ ሃገር ንምህናፅን ናይ ባዕልትና ዓድዋ ንምፍጣርን እንታይ ክንገብር ከምዘለና ጭቡጥ ፍልጠት እንረኽበሉ ኢዩ ኢለን።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ካብ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ንላዕሊ ዜጋታት ይስልጥኑ ከምዘለዉ ገሊፀን።