ናይ ሕሶት መረዳእታ መንነት ዘሰናድእ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ኤጀንሲ ሲቪል ምዝገባን ኣገልግሎት ነባርነትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናዳለወ ንሰባት እናሃበ ዝነበረ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተገሊፁ፡፡
እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ናብቲ ኤጀንሲ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝመፅአት ተገልጋሊት ብዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት ከምዝኾነ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ የመላኽት፡፡
እቲ ዝሓበቶ ሓበሬታ ስዒቡ ብዝተገበረ ኦፕሬሽን ብ20 ሺሕ ብር መታወቂያን ምስክር ወረቐት ልደትን ንምስንዳእ ተስማዕሚዑ ካብታ ውልቀሰብ ፎቶን ካልኦት ሓበሬታታትን ሓዊሱ 10 ሺሕ ብር ዕርቡን እንትቕበል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ተባሂሉ፡፡