Fana: At a Speed of Life!

ናይ ፖለቲካ ሓሳብ ዘለዎ ጉጅለ ብሰለማዊ መገዲ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ንክወዳደር ዘኽእል በሪ ክፍቲ ኢዩ- ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ናይ ፖለቲካ ሓሳብ ዘለዎ ጉጅለ ብሰለማዊ መገዲ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ንክወዳደር ዘኽእል በሪ ክፍቲ ገይሩ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ተስፋዬ በልጅጌ(ዶ/ር) ኣብዚ ሰሙን ብርቱካን ተመስገን ዝተብሃለት ወልቀ ሰብ ብምጥቃም ዝተወዘዐ ስኑዕ ድራማ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እታ ውልቀ ሰብ መጥቀሚት ብምግባር ዝተመሓላለፈ ናይ ሽርሒ ታሪክ ምጥፍፋእ ዓሊሞም ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ትልሚ ጎንፂ ነይሩ ኢሎም።

እቶም ሓይሊታት ነቲ ስኑዕ ድራማ ሽፋን ብሄር ብምግባር ምትህልላቕ ንክፍጠር ዓሊሞም ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ዘካየዶ ዘተ እቲ ማሕበረሰን ቀዳምነት ንሰላም ንክወሃብን ናይ ምጥፍፋእ ኣካይዳ ከምዘይድግፍን ምርግጋፁ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ባህጊ ህዝቢ ምትግባር ዘይደሊዩ ናይ ጥፍኣት ሓይሊታት ዝተጠቐሙሉ ናይዚ ሰሙን ድራማ እውን ናይ ህዝቢ ድጋፍ ንምርካብ ስምዒት መልዓሊ ንምግባር ሓሲቦም ከምዘቀነባበርዎ ገሊፀም።

ይኹን እንበር ግዚያዊ ፀገማት ብብልሓት ናይ ምሽጋር ጥበብ ብዘማዕበለ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነት እቲ ሽርሒ ክፈሽል ክኢሉ ኢሎም።

ኣብ ኩለን ክልላት ብዙሓት ሕቶታት እንተሃለዉ እወን፥ ብሰለማዊን ብዘየጠፋፍእ መገዲን ነቶም ፀገማት ንክፍትሑ ህዝቢ ድልየት ኣለዎ ኢሎም።

መንግስቲ ናይ ፖለቲካ ሓሳብ ዘለዎ ጉጅለ ብሰለማዊ መገዲ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ንክወዳደር ዘኽእል በሪ ከምዝኸፈተ እውን ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.