Fana: At a Speed of Life!

ንልምዓት ኮሪደር ከተማ ጋምቤላ ኢትዮጵያዊያን ደገፍ ክገብሩ ፃውዒት ቐሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ንልምዓት ኮሪደር ከተማ ጋምቤላ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ምትእኽኻብ እቶት÷ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣለሚቱ ኡሞድ ኣብዝተረኸባሉ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብ ከተማ ጋምቤላ ፈላማይ ምዕራፍ ልምዓት ኮሪደር እናተሳለጠ እንትኾን÷ ኣብቲ ልምዓት ህዝቢ ተሳታፊ ንምግባር መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ከምዘድለየ ገሊፀን፡፡

እተን ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ እዋን÷ ልምዓት ኮሪደር ምስርሑ ምስሊ እታ ከተማ ኣጉሊሁ ዘርእይ ምዃኑ ተዛሪበን፡፡

እቲ ልምዓት ንምስላጥ ብመንግስቲ በጀት ጥራሕ ምዝዛም ስለዘይኽኣል ህዝቢ ደገፉ ብምግባር እጃሙ ክዋፃእ ምሕታተን ኣብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

 

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.