Fana: At a Speed of Life!

ንበዓል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዝኽሪ መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

መበል 129 ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ 23 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ከባቢ ፒያሳ ኣብ ዝርከብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ከምዝኽበር ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ዕለት ምጭንናቕ ትራፊክ ከየጋጥም ኣሽከርከርቲ ኣማራፂ መገዲታት ንኽጥቀሙ ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ብመሰረት እዚ፡-

  • ካብ ቸርችል ጎደና ብቴዎድሮስ ኣደባባይ ናብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝወስድ መገዲ ኣብ ባንኮ ዲሮማ መብራት
  • ካብ ኣራት ኪሎ ብራስ መኮንን ናብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝወስድ መገዲ ኣብ ራስ መኮንን ድልድል
  • ካብ ከባ መነንን ለካቲት 12 ሆስፒታልን ብኣፍንጮ በር ናብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝወስድ መገዲ ኣብ ኣፍንጮ በር
  • ካብ እሪ በከንቱ ብኤሌክትሪክ ህንፃ ናብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝወስድ መገዲ ኣብ ደጎል ኣደባባይ
  • ካብ ኣዲሱ ገበያ ብሰሜን ሆቴል ናብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝወስድ መገዲ ኣብ ሰሜን መብራት
  • ካብ መርካቶ ብኣቡ ጴጥሮስ ናብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝወስድ መገዲ ኣብ ደጃዝማች ሃብተጊዮርጊስ ድልድል
  • ካብ እንቁላል ፋብሪካ ብቅዱስ ዮሃንስ ቤተክርስቲያን ናብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝወስድ መገዲ ኣብ ቅዱስ ዮሃንስ መብራት ካብ ለይቲ ሰዓት 6፡00 22 ለካቲት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 23 ለካቲት 2017 ዓ.ም ቀትሪ ሰዓት 7፡00 ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.