ንተቀምቲ ቴሌግራም ዝተመሓላለፈ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣጠቃቕማ ኢንተርኔት በቢ መዓልቱ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ኣብዚ ዘበን፣ ምስዙይ ተተሓሒዙ ዝመፁ ስግኣታት እናተስፋሕፍሑ እዮም፡፡
ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን ኣብ ቀረባ እዋን ብዙሓት ሓደገኛ ኣድራሻታት ኢንተርኔት( URLs) መርሚሩ፣ እዞም ኣድራሻታት ንተጠቀምቲ ኢንተርኔት ሃገርና ብዝበለፀ ድማ ተጠቀምቲ ቴሌግራም ኣካዉንቶም ብምውሳድ ልዑል ስግኣት ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊፁ፡፡
ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብቴሌግራም ዝበፅሑ ሊንክታት ብዙሓት ሓደጋታት ዘምፅኡ እንትኾኑ÷ ዝስዕቡ ሓደጋታት ብቐንዲ ይርከብዎ፡፡



ብምዃኑ ተጠቀምቲ ቴሌግራም ዝለኣኽሎም ሊንክታት ካብ ምኽፋት ክቑጠብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣተሓሳሲቡ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ብቴሌግራም ዝለኣኹ ሊንክታት ብፍፁም ክኽፈቱ ከምዘይብሎም እቲ ምምሕዳር ብምስሊ ኣቃሊሑ፡፡
ምስዙይ ተተሓሒዙ ኣብ ቴሌግራም ዘጠራጥሩ ሊንክታት እንተጋጥሙ ንምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን ብ e-mail ethiocert@insa.gov.et ን ናፃ መስመር ስልኪ 933 ምሕባር ከምዝኽኣል ኣፍሊጡ፡፡