Fana: At a Speed of Life!

ንተቀምቲ ቴሌግራም ዝተመሓላለፈ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣጠቃቕማ ኢንተርኔት በቢ መዓልቱ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ኣብዚ ዘበን፣ ምስዙይ ተተሓሒዙ ዝመፁ ስግኣታት እናተስፋሕፍሑ እዮም፡፡
ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን ኣብ ቀረባ እዋን ብዙሓት ሓደገኛ ኣድራሻታት ኢንተርኔት( URLs) መርሚሩ፣ እዞም ኣድራሻታት ንተጠቀምቲ ኢንተርኔት ሃገርና ብዝበለፀ ድማ ተጠቀምቲ ቴሌግራም ኣካዉንቶም ብምውሳድ ልዑል ስግኣት ከስዕቡ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊፁ፡፡
ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብቴሌግራም ዝበፅሑ ሊንክታት ብዙሓት ሓደጋታት ዘምፅኡ እንትኾኑ÷ ዝስዕቡ ሓደጋታት ብቐንዲ ይርከብዎ፡፡
👉ውልቃዊ ሓበሬታ ምጥቃዕ:- ከም ምፍለይ ቁፅሪ ባንኪ ወይድማ መሕለፊ ቑፅሪ (ፓስዋርድ) ሓበሬታታት ምጉሓል፤
👉ፈነወ ማልዌር :- ንስልኪ ወይ ድማ ንኮምፒውተራት ዝጎድእ ቫይረሳት፤
👉ምውንባድ:- ተጠቀምቲ ብሓሶት ተስፋታት ( ከም ንሕንሕ ወይ ድማ ኢንቨስትመንት) ምትላል፤
ብምዃኑ ተጠቀምቲ ቴሌግራም ዝለኣኽሎም ሊንክታት ካብ ምኽፋት ክቑጠብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣተሓሳሲቡ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ብቴሌግራም ዝለኣኹ ሊንክታት ብፍፁም ክኽፈቱ ከምዘይብሎም እቲ ምምሕዳር ብምስሊ ኣቃሊሑ፡፡
ምስዙይ ተተሓሒዙ ኣብ ቴሌግራም ዘጠራጥሩ ሊንክታት እንተጋጥሙ ንምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ደሕንነትን ብ e-mail ethiocert@insa.gov.et ን ናፃ መስመር ስልኪ 933 ምሕባር ከምዝኽኣል ኣፍሊጡ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.