ንኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣተሓባባራይነት ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዲስ ኣበባ እቲ ፓርቲ ኣብ ትሕቲ ዓውዲ ሚዲያን ርክብ ህዝቢን ዝርከቡ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ዝተፈላለዩ ትካላት ሚዲያ እናተውሃበ ዝቐነየ ህንፀት ዓቕሚ ስልጠና ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።
‘ናይ ድህረ ሓቂ ዘበን ብፍልጠትን ብሓቂን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተውሃበ ስልጠና እንትዛዘም÷ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ሚኒስትር ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኸቦም።
ኣብቲ እዋን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ልፅግና ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ሞገስ ባልቻ፤ “እቲ ስልጠና ብቑዕን ብፍልጠት ዝጎልበተ በዓል ሞያን ንፍራይ ልዑል ግደ ኣለዎ” ኢሎም።
ዘበኑ ዝጠልቦ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ፍልጠትን ግንዛበን ምፍጣር ዝኽእሉ ርእሰ ጉዳያት ዝተዳህሰሱሉ እቲ ስልጠና÷ እቲ ዓውዲ ንዝመርሑ ኣመራርሓታትን ሰብ ሞያን ዕዙዝ ረብሓ ከምዝህልዎ ሓበሬታ እቲ ፓርቲ ኣመልኪቱ።