ንኣፍሪካ ግቡእ ቦታ ዘይሃበ ዓለም ውፅኢት ኣየምፅእን – ቻይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካ ኣብ ኣሰላልፋ ሓይሊ ዓለም ግቡእ ቦታ ንኽህልዋ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ቻይና ኣረጋጊፃ፡፡
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ግቡእ ውክልና ንኽህልወን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ክቕፅሉ ኣለዎም ኢሎም፡፡
መድረኽ ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካ ፎካክ ኣብዚ ዓመት መበል 25 ዓመቱ ከምዝሕዝ ብምሕባር፤ ኣብዞም ዓመታት ብዙሓት ዓወታት ከምዝተረኸቡ ኣልዒሎም፡፡
ብፍላይ ኣብ መሰረተ-ልምዓትን ኢኮኖሚን ጥንኩር ውፅኢት ተረኺቡ ኢዩ ምባሎም ቻይና ዴይሊ ፀብፂቡ፡፡
ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ዓለም ንኣፍሪካ ግቡእ ቦታ እንተይሃበት ዝድለ ውፅኢት ኣይትምፅእን” ክብሉ እውን ብኣፅንኦት ገሊፆም፡፡
ብምዃኑ ድማ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምምሕያሽ ዓለም ለኸ ትካላት ነዚ ኣብ ግምት ዘእተዉ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡
ኣፍሪካ ናይ መፃኢ ዓለም ወሳኒት ከምዝኾነት ብምሕባር፤ እታ ኣህጉር ብመሰረተ-ልምዓት ካብ ምትእስሳር ሓሊፉ ውሕስና ምግቢ ንኽተረጋግፅ ቻይና ሓገዝ ከምዝትገብር ኣብሪሆም፡፡
ጉባኤ ቻይና ኣፍሪካ ናይ ክልቲኦም ንምጥንኻር መሰረት ዝንበረሉ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም፡፡