Fana: At a Speed of Life!

ንኹሉ ዝሓቑፍ ህንፀት ሰላም ንክህሉ ጠመተ ተዋሂቡ ክስራሕ እዩ-ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ግዳያት ክፋል ማሕበረሰብን ንህንፀት ሰላም ዘለዎም ግደ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ገሊፀን፡፡

“ሰላም ተለማመዱ ብሰላም ንበሩ”ዝተብሃለ ፕሮጀክት ዕላው ኮይኑ፡፡

ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ ደቂ ኣንስትዮ፣መናእሰይን ግዳያት ክፋል ማሕበረሰብን ኣብ ከይዲ ህንፀት ሰላም ክሳተፉ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ሰላም ኣብ ምህናፅ ስራሕ ግደ ኣመራርሓ ክህልዎም ጠመተ ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ማሕበራዊ ምትእስሳር ምሕያል ኣብ ዘኽእሉ ተግባራት እናተሳለጡ ይርከቡ ኢለን፡፡

እቲ ፕሮጀክት ህፃናት፣ደቂ ኣንስትዮ፣መናእሰይን ግዳያት ክፋል ማሕበረሰብን ዝሓቆፈ ጥንኩር ሃገራዊ ሰላም ንምህናፅ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝፈጥር ኣገንዚበን፡፡

ብመንደር ህፃናት ኤስኦሴስ፣ፋውንዴሽን ስነ-ህዝቢ ዓለም ጀርመንን ፒ ኤች ኢ ኢትዮጵያ ጥምረት ኣብ ክልላት ዓፋር፣ኦሮሚያን ሶማሌን ዝትግበር እቲ ፕሮጀክት ንሰለስተ ዓመታት ዝፀንሕ እዩ ተባሂሉ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ወፃኢ እቲ ፕሮጀክት ከምዝሽፍን ሓበሬታ ሚኒስተር ደቂ ኣነስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.