ንዕቤትን ብልፅግናን ሃገርና ብዝተረኸቡ ዓወታት እንተይዓገብና ቀትሪን ለይቲን ክንሰርሕ ኣለና – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዕቤትን ብልፅግናን ሃገርና ብዝተረኸቡ ዓወታት እንተይዓገብና ቀትሪን ለይቲን ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፤ ትማሊ ዝተመረቐ ንሲቪልን ወታደራዊ ኣገልግሎትን ዝውዕሉ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ዘፍሪ ኢንዱስትሪ ስካይ ዊን ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ ኩልና ኣብ ዝተዋፈርና ዓውዲ ንሃገርና ዕቤትን ብልፅግናን ክሳብ ሕዚ ብዝረኸብናዮም ዓወታት እንተይዓገብና ቀትሪን ለይቲን ምስራሕና ክንቅፅል ይግበአና ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኢትዮጵያ ብኹሉ ዓውዲ ርእሳ ንኽትክእል ብምሕሳብ እናሰራሕና ንርከብ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እቲ ተግባር ኣብ ትፅቢት ብዘይተገበረሉ ቅልጣፈ ዓወት እናተመዝገበ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ክሳብ ሕዚ ንዝተረኸቡ ዓወታትን ዘገርሙ ውፅኢታትን ኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ በለና ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡