ንዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ጋህዲ ምግባር ወሳኒ እዩ – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ቴሌኮሙኒኬሽ ኣብ ቀጣና ኣፍሪካ ኢማኑኤል ምናሴ (ዶ/ር) ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ጉዳያት ተዛትዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ ትግበራ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ሓጋዚ ምዃኑ ብሓባር ምስራሕ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምጉልባት ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ጠመተ ሂባ ብምስራሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባርን ምዉዳብን ቀፃሊ ዝኾነ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ንምፍጣር እናሰርሐት ከምዘላ ገሊፆም፡፡
ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ጋህዲ ምግባር ወሳኒ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብምትሕብባር ዓዉዲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡
ኢማኑኤል ምናሴ (ዶ/ር) ብወገኖም÷ “ኢትዮጵያ ኣብ ዓዉዲ ዲጂታል እተካይዶ ዝበረታታዕ ፃዕሪ ዉፅኢታዊ ንክኾን ኣድላዪ ምትሕብባር ብምግባር ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡
ትግበራ ዲጂታል ትራንስሮርሜሽን ኢትዮጵያ ንምስላጥ ዘኽእል ህንፀት ሓይሊ ሰብ ሰፋሕቲ ስራሕቲታት ንምስራሕ ልዑል ድልየት ከምዘለዎም ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኸት፡፡