ንዕዙዝ ሃገራዊ ዕቤት ትግበራ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምቅልጣፍ ይግባእ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣህጉራት ኣፍሪካ ዕዙዝ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምምፃእ ትግበራ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ከቀላጥፋ ከምዝግባእ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቲ ሚኒስቴር ምስ ኤክስቴንሲያ ብምትሕብባር ንክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኣብ መፃኢ ዕድል ዲጂታል ኣፍሪካ ዝዝቲ ጉባኤ 2025 ቕልጡፍ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ፡፡
እቲ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ቅልጡፍ ትግበራ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ብምስላጥ ዕዙዝ ሃገራዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ዝዓለመ ምኳኑ÷ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረከብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡