Fana: At a Speed of Life!

ንዝለዓለ ወፅኢት ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ትካላት ብምውዳድ ንክሰርሓ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዝለዓለ ወፅኢት ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ትካላት ብምውዳድን ዝተናበበ ኣሰራርሓ ምትግባርን ትፅቢት ከምዝግበረለን ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣፍሊጦም።

መደባት ኣፈፃፅማ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሓሙሽተ ክላስተራት ጎስጓስ ኢትዮጰያ ተፍሪ ይግምገም ኣሎ።

በቲ ጎንጓስ ለውጢ ምምፃእ ዝኸኣላ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብቲ ገምጋም ዝገለፁ ኣይተ መላኩ፥ ኮሚቴታት ሓሙሽቲአን ክላስተራት ነቲ ጎስጓስ ውፅኢታዊነት ልዑል ግደ ምጭዋቶም ተዛሪቦም።

ምዕባለ ኣፍረዪ ዓውዲ ናይ ኩለን ትካላት ርብርብ ከምዝሓትትን ነቲ ጎስጓስ ዝበለፀ ውፅኢታዊነት ዝተዋደደ ኣሰራርሓ እተን ትካላት ወሳኒ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.