ንጉስ ኢስዋቲኒ ምስዋቲ ሳልሳዊ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ዑደት ገይሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ንንጉስ ኢስዋቲኒ ምስዋቲ ሳልሳዊ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግስቲ ኣጎብኒዮምዎም።
ንጉስ ምስዋቲ ሳልሳዊ ኣብቲ እዋን፥ ብዕድመ ፕሬዚዳን ታዬ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ምጉብናዮም ከምዘሕጎሶም ገሊፆም።
እቲ ቤተ- መንግስቲ ብዙሓት ታሪኻት ኣብ ውሽጡ ዝሓዘ ከምዝኾነ ምዕዛቦም እውን ኣልዒሎም፡፡