Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታትን ጉጅለ ምርመራ ገበን ብምጥያሽ ብሓባር ንምስራሕ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ጉጅለ ምርመራ ገበን ፖሊስ ዱባይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታት ኣብ ጉዳይ ምርመራ ገበን ተዛትዮም፡፡
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ኣብ ዱባይ ገበን ፈፂሞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓብኡ ተጠርጠርቲ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ምርመራ እናካየዱ ይርከቡ፡፡
ሌተናል ኮለኔል ዓብደላ ብግደኦም÷ ኣብ ቀፃሊ ዝስርሑ ሓበራዊ ምርመራታት ገበን ናብ ዱባይ ዝጉዓዙ ሓለፍቲ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ንምቕባል ድልው ምዃኖም ኣረጋጊፆም።
ኣብ ቀፃሊ ብክልቲአን ሃገራት ዝድለዩ ተጠርጠርቲ ኣሕሊፎም ብምሃብ ተሓተትቲ ሕጊ ንምግባር ጉጅለ ምርመራ ገበን ብምጥያሽ ብሓባር ንምስራሕ ዘትዮም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.