ኢትዮጵያን ስዊዲንን ክልቲኣዊ ዝምድና ንምዕባይ ተስማዕሚዔን
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ስዊዲንን ኣብ ልምዓት ዘለወን ምትሕብባር ንምዕባይን ክልቲኣዊ ርክበን ንምጥንኻርን ተስማዕሚዔን፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዊዲን ዲያና ጃንሴን ኣምባሳደር ስዊዲን ኣብ ኢትዮጵያ ሃንስ ሄንሪክን ዘቲየን፡፡
ኣብ ዘትኦም÷ ክልቲኤን ሃገራት ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንጥንኻር ከምኡውን ዕብየት ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ደገፋት ፋይናንስ ኣብ ምጥንኻር ሓዊሱ ምትእስሳር ንግዲ ንምፍጣር ኣድላዩ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ኩባንያ ስዊዲን ኣብ ዕብየት ኢትዮጵያ ዘሎ ልዑል ግደ ብዝምልከት ገለፃ ተገይሩሎም፡፡ ኩባንያታት እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መማረፂታት ኢንቨስትመንት ክሳተፉ ፃውዲት ምቕራቡ ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እቲ ዘተ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኣብ ምዕባይን ከምኡዉን ንነዊሕ ዘበናት ዘቑፀረ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምጉልባት ዘለዎን ቆራፅነት ዘረጋገፀ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡