Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ስዊድንን ኣብ ዓውዲ ፍትሒ ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ ኣይተ በላይሁን ይርጋን ሚንስትር ዲኤታ ፍትሒ ስዊድን ኣንደርሽ ሆል ኣብ ፍልሰትን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ኣይተ በላይሁን ይርጋ ኣብቲ እዋን ዘተ፤ ገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ሓዊሱ ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ፈተና ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ፀገም ንምክልኻል ዝተዋደደ ምትሕብባር ሃገራት ከምዘድሊ ብኣፅንኦት ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ስደተኛታትን ዑቑባ ሓተትቲን ብምቕባል እተተኣናግድ ሃገር ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ መንግስቲ ስዊድን ኣብዚኦምን ካልኦት ምስ ፍልሰት ተተሓሓዝቲ ኣብዝኾኑ ጉዳያትን ዝገብሮ ሓገዝ ንኽቕፅል ሓቲቶም፡፡

ኣንደርስ ቶሬ ሆል ብግደኦም ስዊድንን ኢትዮጵያን ኣብ ዓውዲታት ፍትሒ፣ ኢኮኖሚን ካልኦትን ብሓባር እናሰርሓ ምፅነሐን ብምግላፅ ኣብ ቀፃሊ እውን እዚ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ኣብ ስራሕቲ ዓውዲ ፍትሒ ልውውጥ ልምዲ፣ ህንፀት ዓቕሚ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ጉዳያት መንግስቶም ብሓባር ከምዝሰርሕ ብምግላፅ ዝትግበሩ ስራሕቲ ብዝምልከት በቢእዋኑ ስራሕቲ ክትትል ከምዝሰርሕ ምርግጋፆም ሓበሬታ ሚኒስቴር ፍትሒ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.