ኢትዮጵያን ሶማሊያን ምትሕብባረን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሶማሊያ ሞቃድሾ እንትበፅሑ ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼኽ መሓመድ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።
ክልቲኦም መንግስታት ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ቅዋም፥ ዑደት ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ ግዜታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ፃዕሪ ኣካል ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቶም መራሕቲ ርክቦም ብምጥንኻር ንሓበራዊ ተረባሕነት ንምስራሕ ዘለዎም ቁርፀኝነት ኣርኢዮም ኢዮም።
ከልቲአን ሃገራት ዘራኽበን ዶብን ታሪካዊ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ግቡእ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ዘለወን ትሕብብር ክብ ምባል ከምዘለወን ተገሊፁ።
ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ቀጣናዊ ምርግጋዕን ምዕባለን ሓበራዊ ሸቶን ራእይን ዘለወን ዝተዛመዳ ሃገራት ከመዝኾና ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ በዚ ድማ ክልቲአን ሃገራት ስትራቴጂክ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ንምትግባር ቁርፀኝነት ከምዘለወን ገሊፀን።
እዚ እውን ምዕባለ እተን ሃገራት ቀፃልነት ንክህልዎ፤ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ንክጠናኸር ይገብር ኢዩ ተባሂሉ።
ብተወሳኺ ብመሰረት ስምምዕነት ኣንካራ ናይ ቴክኒክ ዘተታት ተጀሚሮም ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ይካየዱ ምህላዎም እቶም መራሕቲ ከምዝቕበልዎን ዘተን ምትሕብባርን ንምግባር ዘለዎም ቁርፀኝነት ኣፅንኦት ብምሃብ ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብሄራዊ ሰራዊት ሶማሊያን ዝተገበረ ምርድዳእ እውን ምትሕብባር ፀፅታ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕን ኣብዚ ቀጣና ምርግጋዕ ንምምፃእን ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ብታሕጓስ ተቐቢለምዎ ኢሉ እቲ መግለፂ።
ክልቲኦም ወገናት ሓበራዊ ረብሓ ክብ ብምባል፣ ሰላምን ድሕንነትን ብምንጋስ፣ ከልቲኣዊ ርክብ ብምጥንኻር ንዜጋታትን ሓፈሻዊ ቀጣና ቀርኒ ኣፍሪካን ብሓባር ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾኑ ከምዝገለፁ ተሓቢሩ።