ኢትዮጵያን ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓን ኣብ ምትሕብባር ልምዓት ርክቦም ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣህመድ ሺዴ ምስ ምክትል ፕሬዝዳንት ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ኣምበሮይስ ፋዮሌ ኣብ ምትሕብባር ልምዓትን ኢንቨስትመንት ብምድሃብ ተዛቲዮም።
ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ÷ ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ዕቤት ዙሪያ ጭቡጥ ኣስተዋፅኦ ኣብ ምብርካት ዕዙዝ ግደ ዘለዎም ዓውዲታት ንዝገብሮ ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝ ኣመስጊኖም።
ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእኸላይን ኢንተርፕራይዝ ፋይናንስ፣ ማይ፣ ሓለዋ ንፅህናን ኣብ ልምዓት ፈጠራ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮን እናተገበረ ዝርከብ ቆራፅነት ቀፃሊ ዝኾነ ሓገዝ ብምዃኑ እቶም ሚኒስትር ምስጋና ኣቕሪቦም።
እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ብግደኦም ኢትዮጵያ ንኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ዕቤትን ቅድሚት ትኹረት ብመሃብ እናወገነቶም ኣብ ዝርከቡ ዓውዲታት ሙሉእ ድጋፎም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀፃሊ ምትሕብባሮም ንምጥንኻርን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት መማረፂን ንምዝታይ ተስማዕሚዖም።